መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢታትን ሽረ፣ ዓድዋን ዓዲግራትን ተወሳኺ ሰራዊት ኣዋፊሩ

Radio Erena: 12 January 2021

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እናሓየለ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ወገን ኤርትራ ዝተላእከ ብዝሒ ሰራዊት፣ ኣብ ከባቢታት ሽረ፣ ዓድዋን ዓዲ ግራትን ይዋፈር ምህላዎም ተሓቢሩ።

እዞም ብመካይን እናተጻዕኑ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ዶባት ኢትዮጵያ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ኣትዮም ዘለዎ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ክልል ትግራይ ክሳብ ዝረጋጋእ፣ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ዝድኮን ግዝያዊ መዓስከራት ንዘይተወሰነ እዋን ክጸንሑ ምዃኖም’ዩ ዝንገረ ዘሎ።

ብሑመራ’ውን ብተመሳሳሊ ተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ ይወፍር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ብናይ ሕክምና ቦርድን ብጉዳይ ስድራ ቤትን ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ካብ ዝቖሰሉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ብዙሓት ነናብ ገዝኦም ስለዝተፋነዉ፣ ኣብቲ ውግእ ናይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ስድራቤታት ብዘይወግዓዊ መንገዲ ይፈልጣ ምህላወን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ህዝቢ፣ ብዛዕባ’ቲ ደቁ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዘይተደልየ ሞትን ስንክልናን፣ ከምኡ ድማ ንዘልኣለም ዝስረት ተወሳኺ ጽልኢ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን፣ መብርህን ሓበሬታን ክወሃቦ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፣ ስርዓት ህግደፍ ግና ከም ልማዱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘለዎ ንዕቀት ደጊሙ የርእዮ ኣሎ፣ ክብሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣገንዚቦም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብጥሮታን ካልእን ምኽንያታትን ካብ ናይ መግስቲ ይኹን ውድብ ህወሓት ካብ ዝፋነው ነዊሕ ንዝገበሩ፣ ተወላዶ ትግራይ፣ ከካብ ገዝኦም እናወሰደ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተማረኹ ጌሩ ዘቕርቦ ዘሎ ዘመተ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅርሕንቲን ሕራነን የጎሃህር ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ጽልኢ ዘመተ፣ ንኢትዮጵያ ነዊሕ ዓመታት ናብ ዝወስድ ዝኸፍአ ደማዊ ኵናት የሰጋግራ ምህላው’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታትን ካልእን ዝወሃብ ዘሎ ትንታነታት የረድእ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Tsbuk tehzto eyu gen hezbu Eritrea yeln eti zelo dema ab fekedo europa ,usa,kof ilu alo eti serawit dema zetfese serawit eyu dehul serawit