ኣመሪካ፣ ንኢትዮጵያ ክትልግሶ ዝጸንሐት ረዲኤት ጠቕሊላ ደው ምባላ፣ ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ

Radio Erena: MONDAY, 12 June 2023

ኣመሪካ፣ ምስቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ምጥፍፋእ ረዲኤት ብዝተሓሓዝ፣ ክትልግሶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ሓገዝ ጠቕሊላ ደው ምባላ፣ ‘ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፣ ብ10 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወቒሱ።

መርበባት ዜና ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣፈኛ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ ናይ ኣመሪካ ውሳኔ፣ ጃምላውን ሰብኣዊ ጎኒ ኣብ ግምት ዘእተወን ከምዘይኮነ ኣመልኪተን።

ብመንግስቲ ዝውነን ትካል ረዲኤት ኣመሪካ USAID፣ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኮ ዝጸንሐ ረዲኤት፣ ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ፣ ክልላትን ሰራዊትን ምጥፍፋእን ስርቂን ተፈጺሙ ብምባል፣ ናብታ ሃገር ክልእኮ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዛት ደው ከምዘበሎ’ዩ ኣነጺሩ።

እቲ ትካል ኣቐዲሙ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኵናት፣ ተጸበይቲ ረዲኤት ንዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ክልእኮ ዝጸንሐ ረዲኤት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተሰሪቑን ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥ ተራእዩን ብዝብል፣ ናብታ ክልል ዘንቐደ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ’ዩ ሓቢሩ።

እንተኾነ ድሒሩ ብዝተኻየደ ምጽራይ፣ እቲ ስርቅን ምጥፍፋእን ረድኤት፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምዃኑን፣ ብዝተወደበ መልክዕ ካብ ፈደራል መንግስቲ ክሳብ ክልላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ውን ከምዝተሳተፉን ይጠቐስ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ብሰንኪ ስርቂን ምጥፍፋእን ናብ ኢትዮጳይ ዝልኣኽ ረዲኤት ደው ከምዘበለቶ ድሕሪ ምግላጻ፣ ኣብ ምክፍፋል እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዋሳእ ዝጸንሐ ትካል ሕቡራት ሃገራት፣ ውድብ መግቢ ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓለፍቱ ካብ መዝነቶም ብፍቓዶም ክእለዩ ከምዝሓተቱ’ውን ተሰሚዑ።

እንተኾነ እቲ ትካል፣ እቲ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ዝተጋውሐ ጸብጻባት ቅኑዕ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ኣእካል፣ ዘይቲ ብልዒን መእዛዊ መግብታት ቆልዑን ዘጠቓለለ ኣሽሓት ቶናት ረድኤት ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ምዃኑ ጸብጻባት እታ ሃገር የተሓሳስብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0