ኣመሪካ፣ መራሕቲ ኣልሸባብ ዝርከብሉ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ 10 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ተመባጺዓ

Radio Erena: 17 November 2022

ኣመሪካ፣ መራሕቲ ኣልሸባብ ንዝርከብሉ ቦታ ዝሓበረ ሰብ፣ 10 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ቁጠባዊ መሓውር ኣልሸባብ ንምዕጋት ዘኽእል ሓበሬታ ዝሃበ ሰብ’ውን ተመሳሳሊ ሞሳ ክወሃቦ ምዃኑ ኣነጺርሉ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ቀንዲ መራሕቲ ኣልሸባብ ኢሉ ዝጠቐሶም፣ ቀዳማይ ኣሕመድ ድርየ፣ ምክትሉ ማሓድ ካራተን ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዎ ጀዳ ሙስጠፋን’ዮም።

እዞም ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ዝርከብሉ ቦታ ይኹን ዝጥቀምሉ ናይ ቁጠባ፣ ስለያን ካልእ መርበባትን ዝሓበረ ሰብ ድማ ንነፍሲ ወከፎም 10 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ‘ያ ኣመሪካ ብ14 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሓቶ ጻውዒት ኣመልኪታ።

ኣልሸባብ፣ ንዓቕሚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብምብዳህ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ምምሕዳር ባይደን መራሕቲ እቲ ሽበራዊ’ዩ ዝበሎ ጉጅል ንዝሓበሩ ሰባት ገዚፍ ገንዘባዊ ግንዖ ሰሊዑ ዘሎ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ዘካየዶ ብውሕዱ ሰለስተ መጥቃዕታት ኣስታት 130 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 400 ድማ ቆሲሎም።

ኣመሪካ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብምሕጋዝ፣ ብ11 ሕዳር ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ብውሕዱ 17 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተለት ኣቐዲማ ሓቢራ’ዩ።

ምስ ኣልሸባብ ኣብ ምርብራብ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብውግዒ ሓገዝ መሻርኽቲ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራቱ ምስቲ ኣብ ውፍሪ ዝርከብ ሰራዊቱ ክጽንብሮም ዘይምኽኣሉ ብቀጻሊ ዘራብ ዘሎ ዛዕባ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0