ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ብመካይንን ነፈርቲን ህጹጽ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ

Radio Erena: 17 November 2022

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ብ2 ሕዳር ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ፣ ብመካይንን ነፈርቲን ዝተጻዕነ ህጹጽ ረዲኤታት ናብ ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ።

እቲ ክልተ ቅነ ድሕሪ ስምምዕ ካቱ ጀሚሩ ዘሎ ረዲኤት፣ ንህጹጽ ሕክምና ዘድሊ ናውቲን መድሃኒታትንን ብዓጸቦ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል መኣዛዊ መግብታትን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ መካይን ዝተጻዕነ ናይ መድሃኒታት ናብ መቐለ ከምዘብጽሐ ከፍልጥ እንከሎ፣ ናብታ ከተማን ሽረን፣ ብነፈርቲ’ውን ህጹጽ መድሃኒታት ከምዝልኣኸ ሓቢሩ።

ውድብ መግቢ ዓለም ብወገኑ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዝልኣኸ ብምጥቃስ፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምብጻሕ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቅጽል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፣ ብዝሒ ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ብልክዕ ንምፍላጥ፣ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ናይቲ ክልል ምፍታሽ ከምዘድሊ ኣነጺሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0