ኣል ሑቲ ንየመን ክቆጻጸራ ኣይነፍቅድን ኢና፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ

saudi fmብኢራን ዝድገፍ ኣል ሑቲ ንየመን ክቆጻጸራ ኣይነፍቅድን ኢና፣ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ገሊጹ።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተማእከለ ዘተ ሰላም የመን፣ ኣል ሑቲ ብመትከል ዝሰማማዓሉ’ኳ እንተኾነ፣ ዕጥቁ ክፈትሕ ኮነ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝውንጭፎ ሚሳይላት ደው ከብል ግና ብዘይምስምምዑ እቲ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ከምዝተቛረጸ’ዩ ዝፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓደል ኣል ጁበይር ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣል ሑቲ መሳርሒ ፖለቲካ ኢራን ብምዃን፣ ንየመን ጥራይ ዘይኮነ ንዘይምርግጋእ መላእ እቲ ዞባ’ውን ጠንቂ ይኸውን ኣሎ፣ ክብል ይኸስስ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት የመን ዘካይዶ ዘሎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብምቕጻል፣ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሳዓድ ብውሑዱ 16 ሰላማውያን ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ኣካዪዱ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ጻዕቂ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢታት ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፣ መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ህጻናትን ኣዴታትን ከምዝነበሩ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ነበርቲ ከተማ ሳዓድ፣ በቲ ደብዳብ ኣብ ዝዓነወ ኣባይቲ ተጸቒጦም ንዝህልዉ ሰባት ኣብ ምድላይ ናይ ህይወት ኣድሕን ዘመተ የካይዱ ስለዘለዉ፣ ቁጽሪ ግዳያት ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0