ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ንኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ

Radio Erena: 12 April 2020

ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ምስ ጸላኢ ተሓባቢርኩም ብዝብል ክሲ፣ ንኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ ተሓባቢርኩም፣ ከምኡ’ውን ሓቅነት ዘይብሉ ዜና ዘርጊሕኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 10 ጋዜጠኛታት ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኣርባዕተ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦም እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ግና በቲ ዝተኣሰሩዎ ናጻ ክወጹ፣ ንዝተወሰነ ግዜ ከኣ ምስ ኣልሑቲ ክተሓባበሩ ዝብል ፍርዲ ከምዝተዋህቦም፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ዝርከቦም ሓያሎ ተታበቕቲ መሰላት ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲን፣ ኣልሑቲን ዝተገብረ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝተጣሕሰ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ክልቲኦም ወገናት፣ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንመላእ ዓለም ስግኣት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንክልተ ሳምንታት ተኹሲ ደው ብምባል፣ ኣንጻር’ቲ ለበዳ ኣተኩሮ ክገብሩ’ዮም ተሳማሚዖም ኔሮም።

እንተኾነ ሳልስቲ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ብቀዳም 11 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፣ ብውሑዱ 38 ወተሃደራት ሑቲ ከምዝተቐትሉ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0