ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

Radio Erena: 12 April 2020

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

እቲ ብሓሙስ 9 ሚያዝያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣንጻር መሰጋገሪ መንግስቲ’ታ ሃገር ኮይኑ፣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ዘልዓልናዮ ህዝባዊ ናዕቢ ጨውዩዎ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተኻየደ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝተባረረሉ ዓመት ንምብዓል ኣብ ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

ኣብዚ መንግስታት ሓያሎ ሃገራት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ምትእኽኻብ ዝኽልክሉሉ ዘለዉ ግዜ፣ ህዝቢ ሱዳን ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዱ ንሓያሎ ወገናት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ሰልፈኛታት፣ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሽር፣ መነባብሮ ህዝቢ ወላሓንቲ ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ብምግላጽ፣ ዓወትና ተጨውዩ ብምባል ስምዕታኡ ይገልጽ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን፣ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ንግዚኡ ደው ክብል መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኣመሓላሊፉ ክነሱ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየደሉ ዝተደልየሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፣ ወደብቲ’ቲ ሰልፊ፣ ብሕማም ከይንመውት ክንብል፣ ኣብ ገዛ ተዓጺና’ውን ብጥሜት ምሟትና ኣይተርፍን፣ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምውጻእ ገሊጾም።

ክብሪ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሕሰም መነባብሮን ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንስርዓት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ደኣ ይእለዮ እምበር፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝኾነ ለውጢ ኣይተራእየን ክብሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ሱዳናውያን፣ ንግዚያዊ መንግስቲ ይነቕፉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0