ኣልቡርሃን፣ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዘተኣታተዎም ሕግታት ከምዘይስሕቦም ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 December 2021

ኣብ ሱዳን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዓብደል-ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዘተኣታተዎም ሕግታት ከምዘይስሕቦም ገሊጹ።
ኣል ቡርሃን ኣብ ምምራቕ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኑሜሪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ኣብ ሱዳን ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንኽቀውም እድግፍ’የ፣ ክሳብ ንሱ ግብራዊ ዝኸውን ግና በቲ ጀሚረዮ ዘለኹ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓ ክቕጽል’የ’ ብምባል፣ ምስቲ ብሓይሊ ብረት ዝዓለዎ ዓብደላ ሓምዶክ ብሓባር ክሰርሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ከምዝፍለጥ ኣልቡርሃን፣ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ንዝተመስረተ ካቢኔ ኣፍሪሱ፣ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኮይኖም ዝተመዘዙ ካብ ስልጣኖም ኣባሪሩ፣ ንገለ ሰበስልጣን ከኣ ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎም ኣሎ።
ህዝቢ ሱዳን፣ ነዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም ዝጀመሮ ኣድማ ብሰፊሑ ይቕጽሉ ኣሎ።
ዕላማና ተጨውዩ ዝብል ህዝቢ ሱዳን፣ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ዝወርዶ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ብምምካት’ዩ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዶ ዘሎ። እንተኾነ ኣልቡርሃን፣ ውሑዳት ሰብ ረብሓ እዮም ዘጎሃህሩዎ ዘለዉ ክብል ብምንእኣስ፣ ‘ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም፣ ሰራዊት ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ደው ከምዝብል’ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ኣልቡርሃን ስልጣን ብሓይሊ ብረት ብምሓዝ ንፖለቲካዊን ቅዋማዊን ውሳኔታት ንምጥምዛዝ ዝህቅነሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽኒያት፣ ንሱን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዝፈጸምዎ ገበን ካብ ተሓታትነት ንምክልኻል እዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0