ኣልሸባብ ንሓደ ላዕለዋይ ኣባል ስለያ መንግስቲ ሶማል ቀንጺሉ

ኣልሸባብ ንሓደ ላዕለዋይ ኣባል ስለያ መንግስቲ ሶማል ቀንጺሉ

Radio Erena: 20 September 2017

Somali Spy

ኣልሸባብ፣ መሓመድ ሙዓሊም ሓሰን ቛለይ ንዝተባህለ ላዕለዋይ ኣባል ስለያ መንግስቲ ሶማል ከምዝቀንጸለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እቲ ኣዛዚ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ናይ ሓደ ዞባ ከተማ ሞቛድሾ ምንባሩ ዝተገልጸ ሙዓሊም፣ ምስ ዓጀብቱ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ፣ ብሰንበት 17 መስከረም ዕጡቓት ኣልሸባብ ብዝኸፈትሉ ሃንደበታዊ ቶኽሲ ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

ሓደ ካብቶም ዓጀብቱ’ውን ከምዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0