ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ መንግስቲ ከይዋፈሩ ዝእግድ ሓድሽ ብይን ተዋሂቡ

ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ መንግስቲ ከይዋፈሩ ዝእግድ ሓድሽ ብይን ተዋሂቡ

Radio Erena: 19 September 2017

israel

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ መንግስታዊ ትካላት ከይዋፈሩ ዝእግድ ሓድሽ ብይን ተዋሂቡ።

ብመሰረት እቲ ብይን፣ ኣብ ናይ ጽሬት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፣ ጽሬት ጎደናታትን ኣትክልትን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ጽሬት ከተማ ኣብ ናይ ጎሓፍ መካይንን ንዝሰርሑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ስራሕ ክባረሩ’ዮም።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ብይን ዘሕልፍ ዘሎ፣ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣይለት ሻከድ ብዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝዕመም ዘሎ ናይ ጉልበት ስራሕ፣ ብፍልስጤማውያን ክትካእ ኣብ እትጽውዓሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ናብ ሳልሳይ ሃገራት ብዘይድሌቶም ምኻድ ዝኣበዩ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ከይእሰሩ ውሳኔ ዝሃበ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ካልእ ምስ ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ጉዳያት በብኣርእስቲ እናኸፋፈለ ይርእዮ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሃገር የረድኡ።

እቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝመደበሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ብመንግስቲ እስራኤል ዝቑረጽ ዘሎ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታት ናይቶም ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ዝሰርሑ ብዝቀልጠፈ ደው ክብል ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበ ተቓውሞ ብምንጻግ፣ ኣብ 5 ታሕሳስ 2017 ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0