ኣልሸባብ፣ ኣማሓዳሪ ዞባን ሰለስተ ዓጀብቱን ቀቲሉ

Radio Erena: 20 May 2020

ኣልሸባብ፣ ኣብ ፑንትላንድ፣ ዞባ ሙልዱግ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ፣ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባን ሰለስተ ዓጀብቱን ተቐቲሎም።

ፖሊስን ሓለፍቲ ጸጥታን ሶማል ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ኣሕደም ሙሰ ኑር ዝተባህለ ኣማሓዳሪ ዞባ፣ ብመኪናኡ እናተጓዕዘ እንከሎ፣ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ድሕሪ ምጫዋ፣ ንሱን ዓጀብቱን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣረጋጊጾም።

በቲ በዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ካልኦት’ውን ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ ይጠቅስ።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጋልካዮ ከምዝፈጸሞ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ መጥቅዕቲ ዝተኻየደሉ ከባቢ፣ ካብ ከተማ ሞቛድሾ ኣስታት 600 ኪሎሜተር ርሒቑ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን ንኣማሓዳሪ ፑንትላንድ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝቐተሎ ይዝከር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0