ኮሚሽን ናጽነት ኣህጉራዊ ሃይማኖታት፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ክምለሱ  ጸዊዑ

ኮሚሽን ናጽነት ኣህጉራዊ ሃይማኖታት፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ክምለሱ ጸዊዑ

Radio Erena: 21 January 2016

Abu An

ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቖመ ኮሚሽን ብምኽንያት እቲ ብሰንበት 17 ጥሪ ተዘኪቱ ዝወዓለ ኣህጉርራዊ መዓልቲ ሃይማኖታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣቡነ እንጠንዮን ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝእለዩ 10 ዓመታት ከምዘቑጸሩ ብምዝኽካር፣ እቲ መንግስቲ ብዝቀልጠፈ ክፈትሖምን ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ከኣ ክመልሶምን ጸዊዑ።

መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ደረቱ ዝሓለፎ ምትእትታው ንመንግስቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ብምቕዋሞም፣ መሳርሒ መንግስቲ ንምዃን ብወግዒ ብምንጻጎምን፣ እቲ መንግስቲ ምስ ሓደ ሓደ ኣቡናት ብምሽራኽ ብ20 ጥሪ 2006 ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ከምዝኣለዮም ኣይርሳዕን።

 

እቲ መንግስቲ ኣብ ክንዶም ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ 2007 መበል ራብዓይ ፓትርያርክ እታ ቤተክርስትያን ክኾኑ እኳ እንተሸሞን፣ ተቐበላትነት ክረኽቡ ስለዘይክኣሉ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ ኣሓታ ኣብያተ ክርስትያን ተነጺላ ትርከብ።

ኣቡነ ዶዮስቆሮስ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ድሕሪ ምዕራፎም ከኣ፣ መንግስቲ ነቶም ብ ናይ ገዛ ማሕዩር ቀይዶም ዝርከብ ኣቡነ እንጠንዮንስ ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ክመልስን፣ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ እባ ክልተ ተገሚዓ እትርከብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከኣ ዳግም ክትሓብርን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻውዒት ይቀርብ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታት ብዝፍጽሞ ደረቱ ዝሓለፈ ምትእትታው፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ካህናትን መሻይኻትን ቀይዱ ይርከብ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን መሰል እምነት ውልቀሰባት ዘየኽብራ ሃገራት ዓለም ምዃና ሰነዳት ኣህጉራውያን ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0