ኤርትራውያን ንሳልሳይ ዓመት ፍጻሜ ፎርቶ ይዝክሩ

ኤርትራውያን ንሳልሳይ ዓመት ፍጻሜ ፎርቶ ይዝክሩ

Radio Erena: 21 January 2016

Forto

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ን21 ጥሪ፣ መበል ሳልሳይ ዓመት ናይቲ ኣብ ኣስመራ -ፎርቶ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተወስደ ናይ ለውጢ ተበግሶ ይዝክርዋ ኣለዉ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ‘ስርሒት ፎርቶ’ እናበሉ ዝገልጽዎ ፍጻሜ 21 ጥሪ ንምዝካር፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝተፈላለየ ተዘክሮታትን ጽሑፋትን ክዝርግሑ እንከለዉ፣ ኣብ ስደት ዝርከባ ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን’ውን ነቲ ፍጻሜ ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መደባር ኣብ ምቕራብ ይርከባ።

ኣብ 21 ጥሪ 2013፣ ብክልተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስታት 100 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ብምኽባብ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ዝጠለብ ጻውዒት ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

 

ኣብቲ ዕለት’ቲ፣ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፣ ብኮለነል ሳልሕ ዑስማንን ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን ዝተመርሑ ኣባላት ሰራዊት ንሚኒስትሪ ዜና ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ ብኡ ንብኡ ብቀጥታ ብሬድዮ ኤረና ከምዝተቓለሐ ኣይርሳዕን።

እቲ ካብ ሰዓት ዓሰርቲ ረፋድ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ዝጸንሐ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ ድሕሪ ምህድኡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፍጻሜ እኳ እንተነኣኣሶ፣ ድሒሩ ከኣ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝተደፋፍኡ’ዮም ክብል ብመንገዲ ካድራቱ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣካይድሉ’ዩ።

ኣብቲ ናይ 21 ጥሪ 2013 ናይ ፎርቶ ፍጻሜ፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ርእሰ ቅትለት ብምፍጻም ክስዋእ እንከሎ፣ ነቲ ስርሒት ካብ ዝመርሑ ኮለነል ሳልሕ ዑስማን ከኣ ብሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተደፋፊኡ ጌጋ ከምዝፈጸም ንኣባላት ሰራዊት መግለጺ ከምዝሃበ ይዝከር።

ምስ ፍጻሜ ፎርቶ ምትሕሓዝ ኣለዎም ዝተባህሉ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ድሒሩ ድማ ሚኒስተር ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን፣ ከምኡ’ውን ሓያሎ ማእከሎት ወትሃደራውያን መኮንናትን ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓትን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።
========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0