ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ንሱዳን ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ክምውል’ዩ

Radio Erena: 01 July 2021

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ -IMF፣ ንሱዳን ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ምወላ ከምዝፈቐደ ኣፍሊጡ።

እቲ ምወላ፣ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ንሱዳን ክወሃብ’ዩ።

እዚ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ንሱዳን ገዚፍ ምወላ ንምሃብ ከምዝወሰነ ዝገለጸ፣ ባንክ ዓለምን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን፣ እታ ሃገር ንዘለዋ ልዕሊ 56 ቢልዮን ዕዳ ንምሕዳግ ዝተፈላለየ መደባት ኣብ ዘተግብርሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ዝዓለመ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ሱዳን ካብ ዘለዋ ኣስታት 56 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ፣ እቲ ልዕሊ 19 ቢልዮን ዶላር ከምዝተሓደገላ ይዝከር።

ብፍላይ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን፣ ብድምር ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሱዳን ሓዲገን ጥራይ ዘይኮነ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባር ዘንቀደ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር’ውን ተመባጺዐን።

ሱዳን፣ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ዕዳ ናይ ምሕዳግ መብጽዓታት፣ ተሪፉ ንዘሎ ኣስታት 30 ሚልዮን ዝተገመተ ዕዳ’ውን መኽፈሊ ወይ መሕወዪ ዝኸውን፣ ኣብ ሃገር ምዕራባዊ ወፍርታት ክተባባዕ ዝዓለመ መደባት ከምዘሎ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን በብወገኖም ይጠቕሱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0