ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 02 July 2021

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ንዘተኣታትዎ ዘሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲታት ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ።

እቲ ኣማኢት ሱዳናውያን ዝተሳተፍዎ፣ ብ30 ሰነ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ(IMF) ንሱዳን ናይ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ምወላ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ’ዩ ተላዒሉ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብዚ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ምወላ ንምርካብ ዘተኣታትዎ ዘሎ ጽገናታት ቁጠባ፣ ንመነባብሮ ህዝቢ ክሃሲ’ዩ ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት፣ ‘ኣይፋል ንፖሊሲታት IMF’ ዝብል ጭርሖታት ኣልዒሎም።

ሱዳን፣ ካብ ዘለዋ ኣስታት 56 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ፣ እቲ ፍርቁ ንኽሕደገላ ካብ ዝቐረበ ነጥብታት ሓደ፣ መንግስቲ ኣብ ከም ነዳዲ ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ዝነገራት ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ከልዕሎ ዝጠልብ ምትዕርራይ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ’ዩ።

ብክብደት መነባብሮ ተበጊሱ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት በሺር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ሰልፊታት ሱዳን፣ ናይ መራሕቲ ለውጢ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘምጽኦ ነገር ከምዘየለ ዝምጉቱ እቶም ሰልፈኛታት፣ ካልኣይ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን’ውን ክእለ’ዮም ዝጽውዑ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ ንውጽኢት ናይቲ ዝትግበር ምቅይያራት ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ብዓቕሊ ክጽበዩ ይሓትት።

እቲ መንግስቲ፣ ናዕብን ዕግርግርን ዘጎሃህሩ ዘለዉ፣ ደገፍቲ በሺር’ዮም ብምባል፣ ኣብቲ ሰልፊ ንዝተሳተፉ ኣስታት 200 ኣባላት ናይቲ በቲ ስርዓት ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ኣሲሩ።

ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ዘሎ ሰልፍን ህዝባዊ ናዕብታትን፣ ንሱዳን ናብ ቀውሲ ከእትዋ ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጺ ኣይርሳዕን።
================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0