ኢጣልያ፣ ብስም ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ብጌጋ ኣሲራቶ ዘላ ኤርትራዊ ናይ  DNA መርመራ ከይካየደሉ ትኽልክል

ኢጣልያ፣ ብስም ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ብጌጋ ኣሲራቶ ዘላ ኤርትራዊ ናይ DNA መርመራ ከይካየደሉ ትኽልክል

Radio Erena: 27 October 2017

medhanie

ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ፣ ብስም ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ብጌጋ ተኣሲሩ ንዘሎ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ DNA መርመራ ከይካየደሉ ከምዝኸልከለ ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ናይ ጋርድያን ሓበሬታ፣ መኣዛ ወልዳይ ዘርኣይ ዝተባህለት ጓል 59 ዓመት ወላዲቱ ንመድሃኔ ተስፋማርያም፣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢጣልያ ተጓዒዛ፣ ነቲ መንግስቲ ኢጣልያ ብጌጋ ኣሲርዎ ዘሎ ወዳ መንነቱ ንምርግጋጽ፣ ናይ DNA መርመራ እኳ እንተካየደት፣ እቲ ኣኽባር ሕጊ ግና ነጺግዎ ኣሎ።

ብሮቡዕ 25 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ዝተረኸበት ወላዲት መድሃኔ ተስፋማርያም፣ “ወደይ ካብቲ ዘይወዓሎ ክሲ ንምድሓኑ ካብ ኤርትራ ዝኣክል ተጓዒዘ እንተኾነ ከእምኖም ዝኽእል ነገር ዘሎ ኣይመስልን ክትብል ምግላጻ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቲ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ናይ DNA መርመራ ዝነጽጎ ዘሎ፣ ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ፣ መንነት ናይ ምንጻር መስርሕ ዝሕግዝ መርመራ ክካየድ ብኸሳስን ተኸሳስን ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ንዝብል ነጥቢ ብምሓዝ’ዩ።

ወዲ 29 ዓመት መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ፣ ዝሓለፈ ዓመት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተኣሲሩ፣ ብስም እቲ ብምስግጋር ደቂ ሰብ ብኢጣልያ ዝህደን ዘሎ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ከምዝተረከበ ይዝከር።

እቲ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ዘረከበቶ መድሃኔ፣ ብሃገራት ኤውሮጳ ዝህደን ዘሎ ወዲ 35 ዓመት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ፣ ዘይኮነ ተራ ስደተኛ ምንባሩ ብሓያሎ ወገናት ክረጋገጽ ድሕሪ ምኽኣሉ፣ ብሪጣንያ ካብቲ ምስ ኢጣልያ ተበጊሳትሉ ዝነበረት ጉዳይ ክትስሕብ እንከላ፣ ኢጣልያ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ነቲ ጌጋ ክትኣምነሉ ኣይከኣለትን።

ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ’ውን እቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ተኸሲሱ፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ፣ እቲ ዝህደን ዘሎ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ከምዘይኮነ ናይ መንነት ወረቐት ዝርከቦ ሰነዳት ብምስናይ ምምስካሩ ይዝከር።

ኣብ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ብዝልዓለ ዝህደን ዘሎ ወዲ 35 ዓመት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ብስም ሓዉ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣውጺኡ ናብ ዱባይ ከምዝመላለስ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዎ ወገናት ይጠቕሱ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0