ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 October 2017

 ambo protestኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሺን ሁዋ ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብሓሙስ 26 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኣምቦ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ህዝቢ መንገድታት ብምዕጻው ተቓውሞኡ ከምዘርኣየ ይግለጽ።

መንቀሊ ናይዚ ብሓሙስ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኦሮምያ ዝፈረየ ሽኮር ናብ ካልኦት ዞባታት ይወስድ ኣሎ ተባሂሉ ከምዝተላዕለ በዓል መዚ መራኸቢታት’ቲ ዞባ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ሓይልታት ፖሊስን ሰራዊትን፣ ነቲ ናዕቢ ንምህዳእ ኣብ ዝተዋፈሩሉ፣ ናይ ሓቂ ጠያይት ናብ ህዝቢ ክትኩሱ ብምጅማሮም ዝተቖጡዑ ናዕበኛታት ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን ብምቅጻል ነቲ ምህርቲ ሽኮር ዘጎዓዕዝ ዝነበረ ቃፍላይ ደው ከምዘበልዎ ተገሊጹ።

ካልኦት ማዕከናት ዜና ኣብ ዝህቦኦ ዘለዋ ጸብጻብ ከኣ፣ ኣብታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 130 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣምቦ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ብውሑዱ 10 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 15 ከኣ ከምዝቖሰሉ የመልክታ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0