ኢጣልያዊ ማሕበር፣ ብነዳዲ ዝሰርሓ ባቡራት ናብ ኤርትራ ይልእኽ

ኢጣልያዊ ማሕበር፣ ብነዳዲ ዝሰርሓ ባቡራት ናብ ኤርትራ ይልእኽ

Radio Erena: 08 August 2018

Locomotive

ፕሮጀክት ባቡር ኤርትራ ዝተሰምየ ናይ ኢጣልያ ማሕበር (Italian locomotive project in Eritrea )፣ ምስቲ ዳግም ዝተሃንጸ ሓዲድ ክሳነያ ዝተሰንዓ፣ ብነዳዲ ዝሰርሓ ሽዱሽተ ባቡራት ናብ ኤርትራ ልኡኹ።

እቲ ማሕበር፣ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ለካቲት 2018 ኣርባዕተ ተመሳሰልቲ ባቡራት ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ይግለጽ።

እተን ኣብዚ ቅንያት እዚ ተላኢኸን ዘለዋ ሽዱሽተ ባቡራት ድማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ኤርትራ ክበጽሓ ትጽቢት ኣሎ።

እተን ምስ ናይ ኤርትራ ሓዲድ ክሳነያ ዝተሰንዓ ባቡራት ልዑል ፍጥነት ዘይብለን ኮይነን፣ ሰባትን ፈኵስ ንብረትን ንምጉዕዓዝ፣ ብዝያዳ ድማ ኣብ ቱሪዝም ክነጥፋ’የን።

ኢጣልያዊ ፕሮጀክት ባቡር ኤርትራ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ብመንግስቲ ኢጣልያ ዝምወልን፣ ኣብ ምዕቃብ ናይቲ ብግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተሃንጸ ኣገልግሎታት ባቡር ዝነጥፍን ማሕበር’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ ናጽነት ንመንገዲ ባቡር ኤርትራ ንምሕዳሱ ተበግሶታት ከምዝወሰደ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እተን ብናይ ማይ ሃፋ ዝሰርሓ ባቡራት፣ ብሰንኪ እርጋን ብተደጋጋሚ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾና’የን ጸኒሐን።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0