ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባት ክምልከት ሓቲታ

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባት ክምልከት ሓቲታ

Radio Erena: 08 August 2018

Sudan Ethio border

ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባት ክምልከት ከምዝሓተተት፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ነዚ ትሓትት ዘላ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ምምልካት ዶባት፣ ነቲ መንጎ ሓረስቶታት ክልትኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ከወግድ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባብ ኣልፋሽጋ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ዋንነቱ ዝተነጸረ እኳ እንተኾነ፣ ክምልከት ብዘይምኽኣሉ፣ ንክልቲኡ ጎረባብቲ ህዝቢታት ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ከእትዎ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ሚሊሻን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ይዝከር።

ሱዳን፣ ዶባታ ክምልከት ትሓትት ዘላ፣ ከምዚ ዓይነት ረምጽታት ደጊሙ ከይጎሃሃር ካብ ዝብል ስግኣት’ያ።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ 2014 ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ እቲ ዶባት ክምልከት ኣብ ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ግና እባ ግብሪ ኣይወዓለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0