ኢጣልያን UNICEFን፣ ኤርትራውያን ቆልዑ ናብ ስደት ከይውሕዙ ንምክልኻል ዝዓለመ መደባት ኣብ ኤርትራ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 12 August 2019

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያን ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)ን፣ ኤርትራውያን ቆልዑ ናብ ስደት ከይውሕዙ ንምክልኻል ዝዓለመ፣ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኤውሮ፣ ዝተፈላለየ መደባት፣ ኣብ ኤርትራ ከካይዱ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጽኢ ኢጣልያ ተመዊሉ፣ “ምሕያል ጽንዓት ቆልዑ፣ መንእሰያትን ሕብረተሰብን፣ ንምግታእ ዘይሕጋዊ ስደት” ኣብ ትሕብ ዝብል ኣርእስቲ ብUNICEF ዝካየድ ዝካየድ መደባት፣ ኣስተምህሮ፣ ስልጠናታት፣ ምምሕያሽ ናብራ፣ ከምኡ ድማ ትሑት መነባብሮ ኣብ ዘሎ ስድራቤታት ንዝርከባ ደቂንስትዮ ቆልዑ፣ ትምህርተን ንምቅጻል ዘኽእለን ቁጠባዊ ሓገዝ ምብርካትን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኢጣልያ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቆልዑ ዘድሃበ ፕሮጀክት ከም መፈተኒ መደብ ተበግሶ ዘላ፣ ሱዳን፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ሰጊሮም ናብታ ሃገር ናይ ዝኣተዉ፣ ብዝሒ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድም ቆልዑ እናዛያደ ይመጽእ ስለዘሎ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0