ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ ሓጺር ዓመታት፣ ልዕሊ 20 ኣብረርቲን ቴክኒሻናትን ብስደትን ሞትን ከሲርዎም

Radio Erena: 12 August 2019

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ 2012 ክሳብ እዚ ናይ 5 ነሓሰ ዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከቦም፣ ብውሕዱ 12 ኣብረርቲ ብሰንኪ ሞትን ስደትን ከምዝኸሰሮም ምስቲ ትካል ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ኣብዚ ሒደት ዓመታት ጥራይ፣ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎም፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦም ሽዱሽተ ኣብረርቲ ብሰንኪ ሓደጋ ህይወቶም ስኢኖም።

ንሳቶም፣- ኣብ 2013 ካፒተን ተስፋይን ካፒተን ሃብተስላሴን፣ ኣብ 2017 ካፒተን ዮናስን ስማ ዘይረኸብናዮ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ኣብራሪትን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ 2019 ድማ ካፒተን ንጉሰን ምክትል ተለንተ ሙሴን ዝተባህሉ ምኩራት ኣብረርቲ ዝነበሩ’ዮም።

ጠንቂ ሞት እዞም ምኩራት ኣብረርቲ፣ ብቅዓተን ዘይተረጋገጻ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተገጣጠማ መለማመዲ ነፈርትን እኹል ጽገናን ናይ ኣቑሑን መቐያየሪ ዘይብለን ዝኣረጋ ነፈርትን ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ ሸውዓተ ዓመታት፣ ናብ ኢትዮጵያ፣ ስዑዲዲ ዓረብ፣ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ዝተሰዱ ብውሕዱ ሸሞንተ ኣብረርቲ ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ኣብዚ ሓጺር ዓመታት ናብ ስደት ዘምርሑ ኣብረርቲ፣ ኣብ 2013 ካፒተን ዮናስ፣ ካፒተን መኮነን፣ ካፒተን ራህዋ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2016 ምክትል ተለንተ መብራህቱ ተስፋማርያምን ምክትል ተለንቲ ኣፈወርቂ ፍስሃየን ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዓመት ‘ቲ፣ ሜጀር ዮናስ ሄኖክን ካፒተን ኣስመሮም ኣማኑኤልን ናብ ኢጣልያ ይርከቦም።

ብዘይካ’ዚ፣ ናብ ሱዳን፣ ናብ ኣቡዳቢ፣ ኢጣልያን ጀርመንን፣ ንሕክምናን ተወሳኺ ስልጠናታትን ዝተላእኩ ሓያሎ ቴኪኒሻናት ሓይሊ ኣየር፣ በብዝኸውድዎ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ካፒተን ሃብቶም ዝተባህለ ኣብራሪ ነፋሪት፣ ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ 2013 ሓደ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ካብ ክፍሊ ስታትስቲክስ፣ ኣሮንን ሃብቶምን ብዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ ንእትምራሕ ነፋሪት ጨውዩ ኣብ ስዑዲ ዑቅባ ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

ብገዚፍ ወጻኢታትን ሓያሎ ድሌትን ስምዒትን ዜጋታት፣ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ከም ኣብ ኩሉ ጽላታት ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፣ ምኽንያት ዘይብሉ ማእሰርቲ ዜጋታትን ካልእ ናይ ራዕዲ ተግባራትን፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Snakedoc 5 years ago

    ስለምንታይ’ዬም  ኩሎም አብረርትን ተሓጋግዝቶን : ተክኒሻናት ካብ ክርስትያን ክኾኑ ዝተምረጰ ? This question might not settle good with some but it’s a very legit question.

  • comment-avatar
    ህዝቅኤል 5 years ago

    ምስቲ ስርዓት ብዝኾነ ይኹን ጉዳይ ዘይሰማማዕ ክነሰይ፡ ኣብ ጉዳይ ሓይሊ ኣየር ግን፡ እቲ ቐንዲ ጸገም ጸቕጢ ስራሕን ዋሕዲ ክንክን ኣብረርቲ ኮይኑ፡ ብቕዓት ቴክንሻናትናን ኣብረርትናን ዋላ ሩስያውያን ንባዕሎም ዝምስክርዎ ኣዝዩ ብሉጽ እዩ። ድሕሪ ጀነራል ሃብተጼን ግን ፓይለታትን ቴክንሻናትን ክብደት ስርሖም ኣብ ግምት ብምእታው ዝግበረሎም ዝነበረ ኣተሓሕዛን ክንክንን የለን፡ ኣይኮነን ምስ ምብራር ዝተሓሓዝ ተኣፉፊ ስራሕ ማንም ስራሕ ኣብ ሃገርና ዘንቆልቁል ዘሎ ብቕዓት ሰራሕተኛ ዘይኮነ ብቕዓት ምሕደራን ሓለፍትን እዩ።

  • comment-avatar
    Jk, negus 5 years ago

    A sprinkle of GOOD news — will put you in my trusted news organization. always negative means narrow audience.