ኢትዮጵያ ካብ ኤምባሲ ሕ.መ.ኣ. መብርሂ ትሓትት

Radio Erena: 25 October 2020

ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ንዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከት ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝሃቦ ቃል ወግዓዊ መብርሂ ሓቲታ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ብዛዕባ’ቲ ‘ጻውዒት ኲናት ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን’ ኢሉ ዝጠቐሶ ጉዳይ መብርሂ ክወሃቦ ዝጠልብ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንምምስራት ዝምድና እስራኤልን ሱዳንን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ምህናጽ ዲጋ ተሓድሶ ንግብጺ ሓደገኛ ስለዝኾነ ከተዕንዎ ከምዘለዋ ምግላጹ፣ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ‘ጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ ብቐጥታ ዝምልከተን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ብዘተ ክፈትሖኦ ምትብባዕ ደኣምበር፣ ወጥሪ ከምዝዓርግ ምግባር እዋኑ ኣይኮነን ክብል ብመንገዲ ወጻኢ ዝምድናታቱ ኣቢሉ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ርክብ፣ ‘’ቅድሚ ሕጂ ኢለ’የ፣ ሕጂ’ውን ብንጹር ይብል ኣለኹ፣ ግብጺ ብዛዕባ’ዚ ዲጋ ገለ ክትገብር ኣለዋ’’ ክብል ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምዝራቡ፣ ካብ ወገን ሱዳን ዝተዋህበ ምላሽ፣ እቲ ምስሕሓብ ብምሕዝነታዊ መንገዲ ምፍትሑ፣ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝጠቅስ እዩ ኔሩ።
ፕ.ትራምፕ፣ ‘ኢትዮጵያ ነቲ ዘቕረብኩዎ እማመ ምንጻጋ ዓቢ ጌጋ እያ ፈጺማ፣ ክሳብ ትቕበሎ ከኣ ሓገዝ ዝበሃል ኣይክትርእን እያ’ ምባሉ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ብወገኑ፣ ምስሕሓብ ዲጋ ተሓድሶ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ክቕጽል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እታ ሃገር ልኡላውነታ ኣብ ምክልኻል ከኣ ማዕረ-ማዕሪኡ ድልውቲ ከምዘላ ይገልጽ።

ነዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ ቃል፣ ከም ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኲናት ምእዋጅ ዝረኣዩዎ ዲፕሎማስያውያን ሓይልታት፣ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ዝያዳ ድፍኢት ክግበረሉ ጸዊዖም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0