ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ብሃንደበታዊ ሕማም ሞይቱ

Radio Erena: 25 October 2020

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ፣ ብሃንደበት ሓሚሙ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ብኡ ንብኡ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።

ኣምባሳደር ማይክል ንያንግ፣ ስድራቤቱ ክበጽሕ ንኬንያ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዩ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ባንክ ሃንደበት ወዲቑ።

ኣካየድቲ ስራሕ ከይ.ሲ.ቢ. ባንክ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ እቲ ኣምባሳደር ሓሚሙ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ብሓካይም ህጹጽ ረዲኤት ክግበረሉ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ነዊሕ ከይጸነሐ እዩ ሞይቱ።

እቲ ባንክ ናይ ኮቪድ 19 ዘጠቓለለ መርመራታት ክሳብ ዝግበረሉ ንህዝቢ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ኣሎ።

ጠንቂ ሞት ኣምባሳደር ማይክል ገና ኣብ መርመራ ከምዘሎ ፖሊስ ከተማ ናይሮቢ ሓቢሩ። እንተኾነ ወቕዒ ልቢ ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0