ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ወደብ ምጭንናቕ ንምቅላል ካብ ሱዳን ሓገዝ ሓቲታ

ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ወደብ ምጭንናቕ ንምቅላል ካብ ሱዳን ሓገዝ ሓቲታ

Radio Erena: 30 March 2016

com

ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ወደብ ምጭንናቕ ንምቅላል ካብ ሱዳን ሓገዝ ከምዝሓተተ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝቀንዓ ልዕሊ 20 መራኽብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ንምርጋፍ ሪጋ ሒዘን ከምዘለዋ ዝሓበረ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቀልጠፈ ከገዓዕዞ ብዘይምኽኣሉ፣ ንተወሳኺ ናይ ወደብ ክራይን ካልእ ክሳራታትን ክቃላዕ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ንዘሎ ደርቂ ንምምካት ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ምስ ምህላዉ ዝበዝሐ እቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ፣ ምርጋፍ ዝጽበ ከም ስርናይ ዝኣመሰለ ኣእካል እኳ እንተኾነ፣ ከም ድኩዒን ካልእ ንሕርሻን ልምዓትን እታ ሃገር ዘገልግል ነገራት’ውን ይርከቦ’ዩ።

 

ነዚ ብቀዳምነት ከምዝራግፍ ዝተገልጸ እኽልን ዱኽዓን ንምብጽጻሕ ፈደራላዊ በዓል መዚ መጓዓዝያ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከባ 9 ሽሕ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ወደብ ጅቡቲ ክዋፈራ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምህላዉ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ይኹን’ምበር እዚ’ውን ናብ ጅቡቲ ተዋፊረን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መካይን እኹላት ስለዘይኮና፣ ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን ሓገዝ ምሕታታ ዘረጋገጸት እታ ጋዜጣ ካብ ሱዳን ዝተኻረየተን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ጅቡቲ ክትልእኽ ጀሚራ ምህላዋ’ውን ኣምልኪታ።

እዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ወደብ ምጭንናቕ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ዝፈጥሮ ናይ ወደብ ክራይን ካልእ ተወሳኺ ክሳራታትን፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዝተራገፈ ነጋዶ ዝኣዘዝዎ ኣቑሑ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜኡ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ዕዳጋ ጽልዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ይግለጽ።

እዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ወድብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ምጭንናቕ፣ ነቲ ናብ ህዝቢ ብህጹጽ ክበጽሕ ዝግብኦ ረዲኤት የሰናኽል ምህላዉ ኣህጉራዊ ትካል ድኽነት ቆልዑ ምርግጋጹ ኣይርሳዕን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0