ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ሃገራዊ ዋዕላ ክትገብር ምዃና ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 22 August 2021
ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ሃገራዊ ዋዕላ ክትገብር ምዃና ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመሓላለፎ ሓበሬታ፣ መርሓ ሕንጻጽ ናይቲ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሓሰ ከይተዛዘመ እንከሎ ንህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ኣፍሊጡ።
ብድሕሪኡ ዝስዕብ ቅርጽን ናይ ግዜ መቓንን ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፋ ፖለቲካውያን ውድባትን ፖለቲካውያን ምቅስቓሳትን ዝርዝር ኣስማት ኣይተዋህበን።
ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ውድቀት ንኽትኣቱ ኣብ ገማግም ኣብጺሑዋ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ብሩህ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ናብ መኣዲ ዘተ ከምዘይቀርቡ በብወገኖም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብሓሙስ 19 ነሓሰ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ጸዊዑ’ዩ። ኲናትን ወተሃደራዊ ጎንጺን ሰላማዊ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይክእል ተረዲኦም ክልቲኦም ወገናት ምእንቲ ሃገሮምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክብሉ ጸገማቶም ብሰላማዊ ዘተ ክፈትሑ ኣለዎም ብምባል ከኣ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ማርቲን ግሪፊዝ ድሕሪ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ምስ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ይገልጽ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ንፍሉይ ልኡኻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ንሰለስተ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ብምልኣኽ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ተጸሚዳ ከምዘላ ትገልጽ።

 

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0