ዳዒሽ፣ ኣብ ፑንትላንድ ህላዌኡ ንምርግጋጽ መጥቃዕታቱ እንዳሓየለ ይመጽእ

Radio Erena: 20 August 2021

ጥሩፍ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ኣብ ፑንትላንድ ህላዌኡ ንምርግጋጽ መጥቃዕታቱ እንዳሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና መልኪቱ።
ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሶማል፣ ብረቡዕ 19 ነሓሰ ለይቲ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ፣ ንስትራተጂካዊት ከተማ ባሊድሕዲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ጋሮወ ኦንላይን ኣመልኪቱ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መጥቃዕቲ ኣካዪዱ፣ ከምዚ ዓይነት ዓወት ክረክብ፣ እዚ ንፋልማይ እዋን’ዩ። ዳዒሽ፣ ንፑንትላንድ ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ባይታ ኣብ ምንዳይ ንነዊሕ እዋን ፈተነታት ከካዪድ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ኮሚሽነር ናይቲ ምምሕዳር ዝኾነ ኣሕመድ መሓመድ ክቕተል እንከሎ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነግረ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ፣ ናይ መጥቃዕቲ ፈነተታት ከካዪዱ ንዝፈተኑ ዕጡቓት ኣልሸባብን ዳዒሽን፣ ክቕርሙን መጥቃዕታቶም ከበርዕኑን ምጽንሖም ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።
ብፍላይ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት መጺኦም ንኣባላት ዳዒሽ ናይ ሶማል ወተሃደራዊ ስልጠና ክህቡ ጸኒሖም ዝበሉዎም ዕጡቓት ኣብ ምቕራም፣ ዕዉት ስርሒት ከምዝፈጸሙ ይገልጹ።
ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ፑንትላንድ ባይታ ስኢኑ ዝጸንሓሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ምስ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ስለዝጸንሐ ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ዝሕብሩ። ግጭት’ዞም ክልተ ጥሩፋት ጉጅለታት ንረብሓ ኣባላት ጸጥታ ፑንትላንድ ዓቢ ተራ እዩ ተጻዊቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0