ኢትዮጵያ ኣሽሓት ሶማላውያን ወትሃደራት ኣሰልጢና

Radio Erena: 03 May 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ወትሃደራት ሶማል፣ ታዕሎሞም ከምዝዛዘሙ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል፣ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜናኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቶም ወትሃደራት ብ29 ሚያዝያ ታዕሊም ከምዝወድኡ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ብዝሒ ናይቶም ተዓላሞ ኣይጠቐሰን።

ካብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ’ውን፣ ተወሰኽቲ ኣስታት 3 ሽሕ ሶማላውያን፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም መርበብ ሓበሬታ ጋረወ ኣረጋጊጹ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ሶማላውያን፣ ናብ ዓዶም ከይተመልሱ ንኣስታት 3 ዓመታት ተዓጊቶም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ 2022ከምዝተፋነወ ይዝከር።

ኣንጻር ኣልሸባብ፣ ምሉእ ኵናት ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኡጋንዳ፣ ግብጺን ጂቡቲን’ውን ኣሽሓት ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

እቲ መንግስቲ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ወትሃደራት ብምስልጣን፣ ኣብ መወዳእታ 2024 ተልእኽኡ ክዛዝም ትጽቢት ንዝገበረሉ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ መዲቡ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0