ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ኩነታት ሱዳን ብዝተሓሓዘ፣ ወኪላቱ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት እቲ ዞባ ልኢኹ

Radio Erena: 03 May 2023

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ወኪላቱ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምልኣኽ ይርከብ።

እቶም ልኡኻት፣ ኣብ ተኽእሎ ፖለቲካዊ ዘተ፣ ከጋጥም ዝኽእል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን ብዝምልከት ይመያየጡ ኣለዉ።

ብሓላፊ ፕሮግራም ልምዓት፣ ኣኪም ስተይነር ዝምርሖ ልኡኽ ዋና ሕቡራት ሃገራት፣ ብ02 ግንቦት፣ ናብ ኣስመራ ብምጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ከምዝዘተየ፣ ሚኒስተር ዜና፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ስተይነር ካብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ዝተላእከ ደብዳበ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘረከበ’ውን እቲ ሚኒስተር ኣስሚርሉ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ፣ ኣሚና መሓመድን ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት፣ ቮልከር ተርክን ብወገኖም፣ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ፣ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ህሉው ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታይ፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ዝህልዎ ጽልዋታት ‘ውን ከምዝተመያየጡ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፣ ማርቲን ግሪፍትስ ብሸነኹ፣ ናብ ናይሮቢ ብምምራሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ፣ ኣብ ህሉው ሰብኣዊ ኩነታት ሱዳንን ኢጋድ ይኹን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ተጻረርቲ ሓይልታት ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ንምቅርራቦም ክህልወን ዝኽእል ኣበርክቶን ዘትዩ።

እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ናብ ሱዳን ከምዝበጽሕ’ውን ተሓቢሩ።

ብኵናትን ደርቅን ዝሕመስ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣቃልቦ ሕቡራት ሃገራትን ከም ኣመሪካ ዝኣመሰለት ሃገራትን ስሒቡ እኳ እንተሎ፣ ነዚ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ግዳይ ዝገብር ዘሎ ሰብ ዘምጽኦን ተፈጥሮኣውን ሕሰማት ንምቅላሉ ግና ዘዕግብ ተበግሶታት ከምዘይተወስደ ዝተፈላለዩ ወገናት ይወቕሱ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0