ኢትዮጵያ፣ 114 ሶማላውያን እሱራት ፈቲሓ

ኢትዮጵያ፣ 114 ሶማላውያን እሱራት ፈቲሓ

Radio Erena: 24 July 2017

Somali Pri

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲርዎም ዝጸንሐ 114 ሶማላውያ ናጻ ከምዝለቐቐ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ናብ ሞቛድሾ ዝኣተዉ ሶማላውያን፣ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ድሕሪ ዝተገብረ ምርድዳእ’ዮም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተፋንዮም።

ካብቶም ብስግረ ዶባን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ተቐይዶም ዝጸንሑ ሶማላውያን ንልዕሊ 20 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈሮም ይርከብዎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ሶማላውያን ናጻ ምስዳዱ፣ ጽቡቕ ምልክት ዲፕሎማስያዊ’ዩ ክብል ነቶም እሱራት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ዘፋነወ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ጀማለዲን ሙስጠፋ ዑመር ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝቐየዶም ዜጋታት ጎረብቲ ሃገራት ዝርክውቦም ወጻእተኛታት በብእዋኑ ምሕረት እናገበረ ከፋንዎም እንከሎ፣ ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣሲርዎም ዝርከብ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ሒዝዎም ይርከብ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0