ኢትዮጵያ፣ ገና ዝቕጽል ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ህይወት 10ታት ሰባት ኣጥፊኡ

ኢትዮጵያ፣ ገና ዝቕጽል ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ህይወት 10ታት ሰባት ኣጥፊኡ

Radio Erena: 03 December 2018

Ethio Ethnic clash

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ብዝቕጽል ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ህይወት 10ታት ሰባት ከጥፍእን እንከሎ፣ ሚልዮንንንናት ዝግመት ንብረት ድማ ኣዕንዩ።

በዚ መሰረት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ንብሄራት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሞን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት፣ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብውሕዱ 17 ሰባት ተቐቲሎም።

ድሕሪ’ቲ ዝበዝሑ ተወላዶ ኦሮሞ ዝሞትሉ ግጭት፣ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ክልላዊ መንግስቲ ብምዃኑ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ሰራዊት ኣብ ምውፋር ይርከብ።

ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታት ኣብ ዓድታት ጥራት ዘይኮነ፣ ኣብ ዩኒቨርስታት ከይተረፈ’ውን ይጎሃሃር ከምዘሎ ይፍለጥ።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ምቅርራባት እትገብር ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ምርጫ’ውን ናብ ዝበኣሰ ናይ ብሄራት ግጭት ከይተምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ቀቢላዊ ግጭታት እቲ ዝበዝኣሰ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ሶማልን ካልኦት ብሄራትን ኢትዮጵያ ከቢድ ምትፍናን ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0