ኢትዮጵያ፣ ዲጋ ተሃድሶ ንካልኣይ እዋን ምምላእ ምጅማራ፣ ሕጋዊ ኣይኮነን ክትብል ግብጺ ተቓዊማ

Radio Erena: 06 July 2021

ኢትዮጵያ፣ ዲጋ ተሃድሶ ንኻልኣይ እዋን ምምላእ ከምዝጀመረት ዝሕበር ደብዳቤ ናብ ግብጺ ከምዝልኣኸት ተፈሊጡ።

እቲ መልእኽቲ ናብ ግብጺ ከምዝበጽሐ ዘፍለጠ፣ ሚኒስተር ሃብቲ ማይን ሕርሻን፣ መሓመድ ዓብደል ዓጢ፣ ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ በይናዊ ስጉምቲ ነጺጉ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓባራዊ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ከምዝጠሓሰት ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ድማ፣ እቲ ኩነታት ናብ ሕማቕ መኣዝን ይዓርግ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺን ኢትዮጵያን፣ ን8 ሓምለ፣ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋብእ ኣኼባይ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብቲ ንግብጽን ኢትዮጵያን ኣሰሓሒቡ ዘሎ ጉዳይ ጣልቃ ከምዘይኣቱ፣ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዘተ ዝቕጽላሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ክዋሳእ ከምዝኽእል’ዮም ዝንፍቱ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንግብጺ ብምድጋፍ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ምእታዉ ዝተቓወመት ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ጥራይ ክቕጽል ከምእትደሊ’ያ ትገልጽ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0