ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዋፊራ ዝቐነየት መርከብ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 570 ስደተኛታት ኣድሒና

Radio Erena:06 July 2021

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ተዋፊራ ዝቐነየት ብ ‘ውቅያኖስ ቫይኪንግ’ እትፍለጥ መርከብ፣ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ 572 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነት፣ ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ኣህጉራዊ ትካል SOS ሜዲተራንያን ኣፍሊጡ።

ብ5 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ናይ ኣስታት 6 ሰዓታት ናይ ባሕሪ ስርሒት ጥራይ፣ 369 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘድሓነ እቲ ትካል፣ ብሓፈሻ ኣብዚ ሒደት መዓልታት ዝኣከቦም ልዕሊ 570 ሰባት ኣብታ መርከብ ከምዝርከቡ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣረጋጊጹ።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ባንግላድሽ፣ ግብጺን ካልኦትን ምኻኖም ዝተጠቕሱ ስደተኛታት፣ ብንኣሽቱ ጀላቡ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሶም፣ ሓደጋ ናይ ምጥሓል ስለዘንጸላለዎም’ዮም በታ መረክብ ክድሕኑ ክኢሎም።

ቆልዑ ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ዝጸዓነት እታ መርከብ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ወይ ድማ ኢጣልያ ንኽትጽጋዕ፣ ፍቓድ ትሓትት ኣላ።

ውቅያኖስ ቫይኪንግ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ሞትን ካልእ ሓደጋን ስደተኛታት ንምውጋድ፣ ኣብ 2019 ኣብ ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒት ዝተዋፈረት፣ ዋንነታ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ዝኾነት መርከብ’ያ።

ነዛ መርከብ ዝውንን SOS ሜዲተራንያን ዝተባህለ ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ማርሰይ ዝመደበሩ ናይ ኤውሮጳ ትካል ግብረ ሰናይ፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ’ውን ‘ኣኳርየስ’ ዝተሰምየት መርከብ ብምውናን፣ ኣብ ምድሓንት ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ክነጥፍ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0