ኢትዮጵያ፣ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ፣ ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 09 October 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ኣብ ጸጥታ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብን ናብን ክልላትን ጎረባብቲ ሃገራትን ጠበናጁ ክሰጋገር ከምዝተታሕዘ ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ክፍሊ ጸጥታ እታ ሃገር፣ ካብ ሱዳን ክሰጋገር ዝፈተነ ልዕሊ 2000 ናይ ሸጓጉጥን 71 ጠበናጁን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምሓዙ ሺንሁዋ ኣፍሊጡ።

እዚ ብሓይልታት ጸጥታን ኣባላት ፖሊስ ክልል ኣምሓራን ከምዝተታሕዘ ዝተገልጸ ኣጽዋር፣ ናበይ ዝቐንዐ ምንባሩ ኣይተነጸረን።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ‘ቲ ዝነበረ ስርዓት፣ ብውልቀሰባት ዝውነን ጠበናጁ፣ ሸጓጉጥን ከም ካራን ጎዞሞን ዝኣመሰለ ናይ ስሕለት መሳርሒታትን እናበዝሐ ምምጽኡ’ዩ ዝዝረብ።

ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ምስ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ፈቐድኡ ዝሰጋገር ዘሎ ኣጽዋር፣ ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ከቢድ ሻቕሎት ኣሕዲሩ ይርከብ።

በብእዋኑ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭታት፣ ህዝቢ ዓጢቕዎ ብዝጸንሐ ብረታት ኣብ ሓድሕዱ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብጽሕ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0