ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ኩባንያ ብዘካየድዎ መጥቅዕቲ ብውሕዱ 9 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 10 November 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዕጡቓት ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ክልል ኦሮሞያ ዘካይድዎ ዘለዉ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ ኣብ ዞባ ኣርሲ፣ ጂጂ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ኩባንያ ከምዘጥቅዑ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ዕጡቓት፣ ‘ኣፍሪቃ ጁስ ቲበላ ናይ ብርኪ ኩባንያ’ ኣብ ዝተሰምየ ግዙፍ ናይ ሕርሻ ትካል፣ ብ05 ሕዳር፣ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን ምዃኑ ዘ ሪፖርተር ምስቲ ናይ ሕርሻ ወፍሪ ቅርበት ንዘለዎ በዓል ስልጣን ብምውካስ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ሰራሕተኛታት ክዓኑን ክዝመትን እንከሎ፣ ኣብ ካልእ ንብረት ናይቲ ትካል ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እቲ ግዙፍ ናይ ሕርሻ ኩባንያ ድማ ልዕሊ 80% ብናይ ኔዘርላንድስ ትካል ክውነን እንከሎ ዝተረፈ ክፋሉ ናይ መንግስቲ’ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብቲ ክልል ኦሮምያ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወይ ኦነግ ሸኔ ከምዝፈጸሞ’ዩ ብወገን ሓለፍቲ እቲ ዞባ ዝንገር ዘሎ።

ኣርሲ፣ ኣስታት 175 ኪሎሜተር ንደቡብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ርሒቑ ዝርከብ ሓደ ካብ ዞባታት ክልል ኦሮምያ’ዩ።

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እትርከብ ከተማ ነቐምተ ኣብ ዘካየድዎ ወትሃደራዊ ስርሒት 10ታት እሱራት ከምዘፍትሑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣብታ ከተማ ንሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕታት ብምክያድ ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ከምዘዕነዉ መርበባት ዜና ኣመልኪተን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ብዕጡቓት ኦሮሞ፣ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ብዝምልከት እዋናዊ መግለጺታት ኣይህብን’ዩ ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0