ካርቱም፣ ተወላዶ ኑባ ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር መጥቃዕቲ ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 10 November 2022

ኣሽሓት ተወላዶ ኑባ ዝኾኑ ሱዳናውያን፣ ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር መጥቃዕታት ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ኣካይዶም።

እቲ ብ9 ሕዳር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ድሕሪ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን፣ ንተወላዶ ኑባ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ከምዝተፈጸመ ምስ ተገልጸ’ዩ ተወዲቡ።

ኣብቲ ላጋዋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት፣ ጸለምቲ ተወላዶ ኑባን ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም መስርያን ዝተኻየደ ግጭት፣ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም መስርያ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተደጊፎም ጠበናጁ ዓጢቖምን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኑባ ጉድኣት ከምዘብጽሑ’ዩም ዝኸሱ ተጣበቕቲ ናይቲ ብሄር።

ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዓሌት ናይ ምጽናት መጥቃዕታት ደው ክብልን ካብ ላጋዋ ዝመዛበሉ ዘለዉ ተወላዶ ኑባ ናብ ቦትኦም ክምለሱን ዝጽውዕ ጭርሖታት ተላዒሉ።

ኣብ ሓርፋፍ መስርሕ ምስግጋር እትርከብ ሱዳን፣ ጎኒ ጊኒ’ቲ ገጢሙዋ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ብድሆታት፣ ኣብ ዝበዝሐ ዞባታታ፣ ምስ ብሄርን ቀቢላን ዝተተሓሓዘ ግጭታት እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0