ኢትዮጵያ፣ ወሰኸ ዋጋታት ነዳዲ ተወሳኺ ናይ መነባብሮ ቅልውላው ክፈጥር ምጅማሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 May 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ኣብ መሽጣ ነዳዲ ካብ 10- 15% ወሰኽ ምግባሩ፣ ነቲ ድሮ ብኵናትን ደርቂን ተሃስዮ ዝርከብ መነባብሮ ህዝቢ ብዝበኣሰ ክሕምሶ ምዃኑ ተገሊጹ።

ንወሰኽ መሸጣ ነዳዲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቀርብ ዘሎ ዝተፈላለየ ትንታነታት፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ናይ ኣስታት 35% ዝቕባበ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ዝውሰድ ዘሎ ቁጠባዊ ስጉምታት፣ መንግስቲ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተሃስዩ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኵናት ሩስያን ዩክሬንን፣ ኣብ መላእ ዓለም ብሓፈሻ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ወሰኽ ዋጋታት ጸዓትን መሰረታዊ መግብታት ምፍጣሩ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክርአ ዝጸንሐ ክብደት መነባብሮ ኣጋዲዱ ምህላዉ’ውን ኣሚቶም።

ከም መብዛሕተን ሃገራት ዓለም፣ ቁጠባኣ ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ተሃስዩ ዝጸንሐ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ትግራይ ምሽማማ፣ ካዝና መንግስቲ ክጉሕጓሕ፣ ንህዝባዊ ኣገልግሎታ ዝስልዑ ባጀትን ድጎማታትን ድማ ክውሕዱን ከምዝተራእዩ ዘ ግሎባል ኢኮኖሚ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ከተግብር ዝተገደደሉ ምኽንያት ድማ ምስዚ ከምዝተሓሓዝ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 31.74 ብር ናብ 36,87 ብር ክዓርግ እንከሎ፣ ናፍታ ድማ ካብ 28.98 ብር ናብ 35.43 ብር ከምዝደየበ ኣዋጅ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ፣ ንወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ብምምዝማዝ፣ ኣብ ዕዳጋታት ዘይምርግጋእ ንዝፈጥሩ ነገዶ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0