ሶማል፣ ድሕሪ ሳልስቲ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦም 39 ሕጹያት ፕረዚደንት ንውድድር ክቐርቡ’ዮም

Radio Erena: 12 May 2022

ሰንበት 15 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝበዝሐ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቁጽሪ ሕጹያት ተወዳደሪ ከምዝተመዝገቡ መርበባት ዜና ካብ ሞቛድሹ ሓቢረን።

ክሳብ ትማሊ 11 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ፣ ንስልጣን ፕረዚደንት ክወዳደሩ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ፖለቲከኛታት ሶማል 39 ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣቐዲማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረት፣ ፋውዛ ዮሱፍ ኣደም ድማ እታ እንኮ ጓለነስተይቲ’ያ።

ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ስልጣኑ ንምቕጻል ሑጽይ ኮይኑ ከምዘይቀርብ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ምርጫ ክካየድ ሰሙን ምስተረፎ ግና ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ንልዕሊ ዓመትን ክልተ ወርሒ ተደናግዩ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ሶማል፣ ኣቐዲሞ ፕረዚደንት ዝነበሩ ክልተ ፖለቲከኛታት’ውን ንውድድር ቀሪቦም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፣ ሑሰን ሮብለ’ውን ሓደ ካብቶም ክዕወቱ ተኽእሎ ከምዘለዎም ዝተገመቱ ሕጹያት’ዩ።

ድሕሪ ሳልስቲ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮበልን ዝጸንሐ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ክፈትሕ ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ መላእ ሃገር ብሓድነት ክጥርንፍ ዝኸኣለ፣ ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይውነነት ሶማል፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ምርጫ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝረኣየቶ ብተዛማዲ ዝሓሸ መስርሕ ምቛም ትካላዊ መንግስቲ’ውን ከይትስእኖ ተሰጊኡ ‘ዩ ጸኒሑ።

ልዑል ሃንቀውታ ተነቢርሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ብሰንኪ ሽበራዊ መጥቃዕታት ከይሰናኸል፣ ኣብ ሞቛድሾን ከባቢኣን ጽኑዕ ሓለዋን ቁጽጽር ጸጥታን ይካየድ ኣሎ።

ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዩኡን ጽልዋታት ከምዝህልዎ ተንተንቲ የረድኡ።

ልዕሊ 350 መናብር ካብ ዘለዎ ባይቶ፣ ብውሕዱ ናይ 184 ኣባላት ናይ ድምጺ ደገፍ ዝረኸበ ሕጹይ ተወዳዳሪ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፣ ፕረዚደንት ሶማል ክኸውን’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0