ኢትዮጵያ፣ ካብ ዕደና ወርቂ 456 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ

ኢትዮጵያ፣ ካብ ዕደና ወርቂ 456 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 21 August, 2014

ethio Gold

ኢትዮጵያ ካብ እተካይዶ ዘላ ናይ ወርቒ ዕደና ኣብዚ ዓመት እዚ 456 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ነዚ ዝሓበረ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ዓብዱራሕማን ስዒድ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣታዊ ክነጻጸር እንከሎ ግና ብ122 ሚልዮን ዶላር ከምዝጎደለ ምግላጹ’ውን ዎርልድ ቡለቲን ዝተባህለ ኣብ ቁተባ ዘተኩር ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ብናይ ግእዝ ዓውደ ኣዋርሕ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝዛዘም ፊስካላዊ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ብሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ኢትዮጵያ 12.35 ቶን ወይ 123.5 ኩንታል ወርቂ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዘቕረበት ኣነጺሩ።

 

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብኣስታት 30 ኪሎ ወርቂ ከምዝዛየደ እኳ እንተተሓበረ፣ እቶቱ ብ122 ሚልዮን ዶላር ዝጎደለሉ ምኽንያት ግና፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ዋጋ ወርቂ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ስለዘንቖልቖለ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ሚኒስትሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ዝተረኽበ እቶት፣ እቲ 194 ሚልዮን ዶላር ካብ ኩባንያታት ዕደና ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ልዕሊ ክልተ 250 ሚልዮን ዶላር ድማ ብንኡስ ዓቐን ካብ ዝንቐሳቐስ ባህላዊ ዕደና ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ’ተን ዘለዋ ዓበይቲ ናይ ዕደና ኩባንያታት፣ ብርክት ዝበለ ባህላዊ ዕደና’ውን ይካየድ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0