ስደት ኤርትራውያን፣ ሓደ ካብ ዝዓበየ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኮይኑ

ስደት ኤርትራውያን፣ ሓደ ካብ ዝዓበየ ዛዕባ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኮይኑ

Radio Erena: 20 August, 2014

France 5 Eri

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣዘራራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባርት ተሌቪዥን ፈረንሳ፣ ቻነል 5፣ ብሰኑይ 18 ነሓሰ ሰ ዳን ለኽ- ማለት ‘ኣብ ኣየር’ ኣብ ዘርእስቱ ሓደ ካብ ህቡባት መደባቱ፣ ናይ ሓደ ሰዓት ሸፈነ ሂብዎ ኣምስዩ።

ኣብቲ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ምሁራትን ዝሳተፍዎ መደብ፣ ኤርትራውያን ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ናብ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ይውሕዙ ኣለዉ፣ ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ ኩነታት ኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈልየ’ዩ ክብሉ’ውን ደምዲሞም።

 

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ምልክን ጭቖናን፣ ናይ ኤርትራ ኣዝዩ ዝከፍአ ምዃኑ ዘስመሩ እቶም ተዛተይቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ሶርይና ካሎእት ሃገራትን ዘሎ ግጭት ወይ ኵናት ዝሃድም ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነ፣ ካብ ዘመናዊ ባርነት ነብሱ ንምድሓን’ዩ ዝቃለስ ዘሎ ክብሉ’ውን ኣስሚሮም።

ህዝቢ ፈረንሳ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይጸንሖ፣ ካብቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ንደሓር ግና ንኩነታት ኤርትራ ክከታተሎ ጀሚሩ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናይ ዕለታዊ ዜና ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኮይኑ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ፈረንሳ ንምስሊ ኤርትራ ኣጸቢዑ እናፈለጠ ይመጽእ ከምዘሎ’ውን ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ።

ኤርትራ እታ ዝዓበየት ቤት ማእሰርቲ ምዃና ዜጋታት ካብ ዝገልጽዎ ልሳን ብምውሳድ፣ ሓጺር ዶክምነታሪ ዘቕረበ እቲ ዘተ፣ ሓደ እዋን መራሒ ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ ዘይብሉ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ህያው ኣብነት ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ብብዝሒ ዝስደዱ ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ እኳ እንተነበሩ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ግና ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ ብዝሒ ስደተኛታት ክውሕዙ ከምዝተራእዩ’ውን ተዘተይሉ።

ኣብ ዝሓለፍ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 60 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናይ ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብምሉአን ብፍላይ ድማ፣ ኢጣልያ፣ ሽወደን፣ ነርወይ፣ ስዊዘርላንድ፣ ፈረንሳ፣ ደንማርክን ቤልጁምን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀጻሊ ይዛረባ ከምዘላዋ ይፍለጥ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0