ኢትዮጵያ፣ ካብ ንግዳዊ ውዕል ኣጎዋ ብምስራዛ፣ 64% ቆርበትን ፍርያት ቆርበትን ንሰደድ ክልኣኽ ከምዘይክኣለ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 January 2022

ምስ ኵናት ትግራይ ተተሓሒዙ፣ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ፣ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ሰደድ ዘተባብዕ ንግዳዊ ስምምዕ ኣጋዋ ክትስርዛ ምውሳና፣ 64% ቆርበትን ፍርያት ቆርበትን እታ ሃገር፣ ክልኣኽ ከምዘይክኣለ ንሚኒስተር ኢንዱስትሪ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ሚኒስተር መላኩ ኣለበል፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝኣተዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ወፍሪን ንግዲን ዘተ ፣ ኣብ ዘስምዖ መደረ ነዚ ከምዝገለጸ እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ።

78% ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈሪ ቆርበትን ከም ጫማ፣ ቦርሳን ካልእን ዝኣመሰለ ፍርያት ቆርበትን ናብ ኣመሪካ ክልኣኽ ምጽንሑ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ እኳ እንተጠቐሰ፣ ብዝሑ ብኣሃዝ ግና ኣየነጸረን።

ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ኢትዮጵያ፣ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ቆርበትን ፍርያት ቆርበትን ከምኡ ድማ ዓለባታት ናብ ኣመሪካ ክትልእኽ ምጽናሓ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕን ዝርከቦ ነጥብታት ዝሓቖፈ እማመታት ምምሕዳር ባይደን ክቕበል ብዘይምኽኣሉ’ዩ፣ ኢትዮጵያ ካብ ንግዳዊ ስምምዕ ኣጎዋ ተሰሪዛ ዘላ።

ምስራዝ እቲ ስምምዕ ካብ ባሕቲ ጥሪ 2022 ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ድማ፣ ኢትዮጵያ ን64% ቆርበትን ፍርያት ቆርበትን ንሰደድ ክትልእኮ ከምዘይክኣለት ገሊጻ።

ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ዝተመስረተAGOA፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ወፍሪን ቁጠባን ንምዕባይ ክሕግዘን ተባሂሉ፣ ፍርያተን ብዘይቀረጽ ናብ ኣመሪካ ክልእካ ዘተባብዕ ናይ ንግዲ ስምምዕ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ካብዚ ናጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ AGOA፣ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ክትረክብ ምጽንሓ ጸብጻባት ንግዲ የመልክቱ።።

ምስ ምስራዝ ካብ AGOA ተተሓሒዙ፣ ናብ ኣመሪካ ፍርያተን ናይ ዝልእካ ትካላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲኤን ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት በዚ ናይ ኣመሪካ እገዳ፣ ስራሕ ኣልቦ ከይኮኑ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0