ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ጽዑቕ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ

Radio Erena: 17 January 2022

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጽዑቕ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ተጸሚደን ይርከባ።

ኣቐዲማ ምስ ግብጺን ዮርዳኖስን በብንጽል፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ዝቐነየት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ቀዳም 15 ጥሪ ኣትሒዛ ድማ፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠርን ባሕረይንን፣ ኣብ ተወሳኺ ወትሃደራዊ ንጥፈታት ተጸሚዳ ኣላ።

እቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኢራን ኣብ ክሊ ማያት ወሽመጥ ከተካይዶ ዝቐነየት ወትሃደራዊ መናውራታት ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይልታት ምድሪ፣ ባሕርን ኣየርን ይሳተፉ ምህላዎም እኳ እንተተጠቕሰ፣ ብዝሒ ግና ኣይገለጸን።

ሓይልታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ 9 ክሳብ 14 ጥሪ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምክያድ’ዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ንተወሳኺ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዋፊሮም ዘለው።

ኣብ ምጅማር እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ፣ ስዒድ ቢን ዓብዱላ ኣል ቃሕታኒ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከምዝተረኽቡ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ጸብጺቡ።

እቲ ‘ድሕነት ወሽመጥ ዓረብ 3’ ዝተሰምየ፣ ንሳልሳይ እዋኑ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፣ ኣብቲ ዞባ ከጋጥም ንዝኽእል ተጻብኦታት ንምምካት ከም መዳለዊ ዝሕግዝ ምዃኑ፣ ስዑዳዊ ጀነራል ሻየ ቢን ሳልም ኣል ዋዲኒ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

እቲ ልምምድ ንኽንደይ መዓልቲ ከምዝጸንሕ ኣይተነጸረን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0