ኢትዮጵያ፣ ካብ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ ኣስታት 10 ሽሕ ዜጋታታ ኣብ ኬንያ ዑቕባ ሓቲቶም

ኢትዮጵያ፣ ካብ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ ኣስታት 10 ሽሕ ዜጋታታ ኣብ ኬንያ ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 21 March 2018

Moyale refugees

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ቅንይ ኣብ ከባቢ ሞያለ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ዶብ ኬንያ ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ ወኪል ላዕለዋይ ሎሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

መብዛሕቶም ካብቶም ኣብዘ ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ኬንያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያን ደቂንስትዮን ቆልዑን ኮይኖም፣ ኣስታት 1500 ከኣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም እቲ ወኪል ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ 600 ነፍሰ ጾራትን ስንኩላንን’ውን ካብ ኢትዮጵያ ብምህዳም፣ ኣብቲ ኣብ ሶሎሎን ሶማረን ቆይሙ ዘሎ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም በቲ ዝተፈጥረ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሃዲሞም፣ ኣብ ግዝያዊ መዕእስከራት ኬንያ ተዓቝቦም ዘለዉ ዜጋታቱ ንምምላስ ምስ ትካላት ስደተኛትን መንግስቲ ኬንያን ዝርርብ ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ሰራዊት፣ ዕጡቃት ኦነግ ንምህዳን ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሒት፣ ጌጋ ስለያዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ብጌጋ 12 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለን 12 ከኣ ከምዘቑሰለን ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0