መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ናጻ ንግዲ ንምዝታይ ኣብ ርዋንዳ ተጋቢኦም

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ናጻ ንግዲ ንምዝታይ ኣብ ርዋንዳ ተጋቢኦም

Radio Erena: 22 March 2018

Africa Trade

መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ምምስራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብዝምልከት ዋዕላ ኣካይዶም።

ኣብቲ ኣብ ኪጋሊ፣ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ካብ17 ክሳብ 21 መጋቢት ዝተኻየደ መበል 10ይ ተወሳኺ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ሱዳንን ጅቡትን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ብውሕዱ 20 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ከምኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ብደረጃ ኣምባሳደትን ቀወምቲ ወኪላት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣቢለን ተሳቲፈን።

ዕላማ’ቲ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘሎ ናይ ንግዲ ጋግ ብምጽባብ፣ ኣብ ንሓድሕደን ውሁድ ዕዳጋን ንግድን ዝፈጥራሉን ናይ ንግዲ ናጻ ዞባታት ዝምስርታሉን ተኽእሎታት ንምምይያጥ’ዩ።

 

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0