ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጋምቤላ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 92 እሱራት ሃዲሞም

Radio Erena: 17 April 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ጋምቤላ፣ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፣ 92 እሱራት ከምዝሃደሙ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሃገር ሓቢሩ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ሓድሕዳዊ ግጭት፣ እቶም እሱራት ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ ዝሓበረ ኣዛዚ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ፣ እኹል ብዝሒ ፖሊስ ከምዘይነበረ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ እሱራት ብብዝሒ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብዚ ሓደ ዓመት እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

ብናይ ብሄር ግጭትታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ሓድሽ መንግስቲ ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ውሽጣዊ ጸጥታ ከውሕስ ኣይክኣለን።

ምስዚ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ተኣሳሲሩ፣ ኣብታ ሃገር፣ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ጠበናጁ፣ ሓሺሽ፣ ገንዘብን ንብረትን ብብዝሒ ይርአ ከምዘሎ በብዕለቱ ካብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ዜና ምርዳእ ይከኣል።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0