ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ንብምሉኡ መናብር ፓርላማ ከምዝተዓወቶ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ንብምሉኡ መናብር ፓርላማ ከምዝተዓወቶ ተሓቢሩ

Radio Erena: 24 June 2015

ethiele

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ንብምሉኡ መናብር ፓርላማ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

ሰኑይ 22 ሰነ ብወግዒ ኣብ ዝተገልጸ ውጽኢት ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኢህወደግ፣ ነታ ኣብ 2010 ብተቓወምቲ ተሓዚኣ ዝነበረ ሓንቲ መንበር ፓርላማ ከይተረፈት ብምዕዋት’ዩ፣ ሚእቲ ብሚእቲ ጸብለልትኡ ከምዘረጋገጸ ዝንገር ዘሎ።

ከም ተዓዛቢ ምርጫ ኣብታ ሃገር ዝተሳተፈ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መስርሕ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰለማዊን ተኣማንን ምንባሩ ምስክርነቱ እኳ እንተሃበ ብተቓወምቲ ሰልፍታት ግና ድራማ’ዩ ተባሂሉ’ዩ ተነጺጉ።

 

ኢህወደግ ነቲ 546 መናብር ፓርላማ እታ ሃገር ብምርጫ ከምዝተዓወቶ ድሕሪ ምግላጹ፣ ዝቕጽል መስርሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ምምርጽ ክኸውን’ዩ።

ድሕሪ ሞተ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ስልጣን ዝተረከበ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበረ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ነዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት’ውን ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ እዚ ሕጂ ብምርጫ ከምዝተዓወተ ዝግለጽ ዘሎ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ፈላሚ ኣኼባ’ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወግዒ ክፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ሮይተርስ

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0