ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ‘ቱር ዲ ፍራንስ’፣ ክልተ ኤርትራውያን ታሪኽ ክሰርሑ’ዮም

ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ‘ቱር ዲ ፍራንስ’፣ ክልተ ኤርትራውያን ታሪኽ ክሰርሑ’ዮም

Radio Erena: 23 June 2015

Dan mer

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ‘ቱር ዲ ፍራንስ’ ክወዳደሩ ካብ ዝሓጸየቶም 3 ሰለስተ ኤትራውያን፣ እቶም ክልተ ክሳተፉ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

እታ ጋንታ፣ ኣብቲ ካብ 4 ሓምለ ዝጅምር ኣብ ኣህጉርና ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ናይ ዝሳተፉ 9 ኣባላታ ብወግዒ ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን’ያ፣ ኣቐዲማ ካብ ዝሓጸየቶም ሰለስተ ኤርትራውትያን ኣባላታ፣ ንዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ክሳተፉ ምዃኖም ዘረጋገጸት።

 

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ከም መዳለዊ ዙር ፈረንሳ ዝፍለጥ፣ ቅድድም ክራይተርዩም ዱ ዶፊነ፣ ናይ ዓቐብ ቀዳማይ ዕዉት ብምዃን ቦኽሪ ኣህጉራዊ ክብሪ ኣብ ዝጨበጠሉ መድረኽ፣ ጋንትኡ ብኡ ንብኡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ምዃኑ ምርግጋጻ ይዝከር።

ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ሓቝፋቶም ዘላ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃን ሰለስቲኦም ኣብ ዙር ፈረንሳ ክወደራሩ ሓጽያቶም ምጽንሓ ይዝከር።

እታ ጋንታ፣ ንኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነን ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ረጉይጊ ድማ፡ ከም ተቐየርቲ ሒዛያ’ያ ናብቲ ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ከተምርሕ።

እዞም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ዓለም ብዕቤቱን ብዕድሚኡን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ውድድር ግራንድ ቱር፡ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ) ዝተሳተፉ ናይ መጀመርያ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክኾኑ እዮም።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ እትሳተፍ ዘላ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኮይና፣ ኣብ’ዚ ውድድር ብሓፈሻ 5 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ክትቐርብ እያ።

ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ድማ፣ ኣብዚ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ዜጋታት ኤርትራ ክሳተፉ ናይ መጀመርያ ክከውን’ዩ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0