ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ኣብ ዕደና ወርቂ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈረ ናይ ኢንግሊዝ ኩባንያ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

Radio Erena: 04 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ቱሉ ካፒ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ዕደና ወርቂ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈረ ናይ እንግሊዝ ኩባንያ፣ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቲ ኪፊ ሚራል ዝተባህለ ናይ እንግሊዝ ኩባንያ ዕደና፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት’ዩ ኣብቲ ከባቢ ዕደና ወርቂ ከካይድ ጀሚሩ።

እቶም ዕጡቓት፣ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ኣብ ዘይነበርሉ ዕለተ ሰንበት፣ መጥቃዕቲ ብምክያዶም፣ ኣብ ንብረት እንተዘይኮይኑ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን።

ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዱ ዕጡቓት ዛጊት መንነቶም ኣይተነጸረን። ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል’ውን የለን።

ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክካየድ ኣብዚ ሒደት ኣዋርሕ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሰራሕተኛታት ናይ ወጻኢ ኩባንያ ዝኾኑ፣ ሓደ ህንዳውን ሓደ ጃፓናውን ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0