“ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ከም ሓድሽ ክትንእስ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ የለን፣” ክብል ሓደ ኣባል ናይቲ ሓይሊ ኣየር ነበር ገሊጹ

Radio Erena: 04 June 2019

“ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ከም ሓድሽ ክትንእስ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ የለን፣” ክብል ሓደ ኣባል ናይቲ ሓይሊ ኣየር ነበር ገሊጹ።

እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝመጸረጸ፣ ኣባል እንዳ ሚሳይል ነበር፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዳኸም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ 24 ግንኦት ንምርኢት ዝበቅዕ በረራታት ‘ውን ከካይድ ከምዘይክኣለ ብኣብነት ኣስነዩ ኣቕሪቡ።

ዝበዝሓ ካብተን ኣብ እዋን ኵናት ኤርራን ኢትዮጵያን ዝተሸመታ ነፈርቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ካብ በረራ ወጻኢ ኮይነን’የን ዝበለ እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር፣ ንመለማመዲ ተባሂለን ካብ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ዝተሸመታ ንኣሽቶ ነፈርቲ’ውን ተደጋጋሚ እዋን ብምውዳቕ፣ ህይወት ኣብረርቲ ስለዝለከማ፣ ኣብ ጋራJ’የን ተዓሺገን ክብል ኣስሚርሉ።

ንሱ ብዘይካ’ዚ፣ ነፈርቲ ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ ናይ 24 ግንቦት ምርኢት ከቕርባ ምድላዋት የካይዳ እኳ እንተነበራ፣ ሞራል ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከየዳኽም ተባሂሉ፣ እቲ መደብ ከምዝተሰረዘ ገሊጹ።

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ በብእዋኑ ናብ ኣቡዳቢን ካልኦት ሃገራትን ንስልጠና ዝልእኮም ኣባላቱ ዑቕባ ንምትራፍ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክኸዱ ጸኒሖም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ነፈርቲ እናሓዙ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሰግሩ ምኩራት ኣብረርቲ፣ ንዓቕሚ እቲ ሓይሊ ኣየር ክዳኸም ከምዝገበሩ ይዝረበሉ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ሕጽረታት፣ ብቕዓተን ዘይሓለዋ ንኣሽቱ፣ ኣብ ልምምድ እንከለዋ ብምውዳቐን፣ ሓያሎ ኣብረቲ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ብዝተፈላለየ ሞያታት ዝሰልጠኑ 250 ኣባላት ሓይሊ ኣየር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኣስመራ መመረቕታ ከምዝተገብረሎም መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    አቢ 5 years ago

    ረድዮ ኤሪና፣ እዚ ሓድሽ ዓይነት ጽሕፈት ምስ ቀየርኩም፣ ሕድገት ፊደላት አብ ጽሑፋትኩም ይርአ አሎ። አመሓይሽዎ፣፣