ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 62 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 November 2022

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮሞያ ብዘካይድዎ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት ልዕሊ 62 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ግጭት ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋን ሆሮጉድሩ ወለጋን ‘ዩ ተኻይዱ።

ኣብ ዞባ ሆሮጉድሩ ወለጋ፣ ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዶቼቬለ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ከባቢ ኪረሙ ድማ ብውሕዱ 20 ሰባት ብተመሳሳሊ ከምዝተቐትሉ’ዩ እቲ ናይቲ ምንጪ ጸብጻብ ዝገልጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ጃርዳጋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ዕጡቓት ኦሮሞ ኣስታት 12 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፣ ኣሽሓት ነበርቲ መንበሪ ኣባይቶም ሓዲጎም፣ ርእሰ ከተማ ዞባ ሆሮጉድሩ ወለጋ ናብ ዝኾነት፣ ሻምቡ ይሃድሙ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኦነግ ሸኔ ምዃኖም ብወገን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይቲ ክልል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ጽዑቕ መጥቃዕታት ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ከተማ ነቐምት ብዝኸፈትዎ መጥቓዕቲ 10ታት እሱራት ከምዘፍትሑ ክግለጽ ቀን’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ፣ ብናይ ሆላድ ኩባንያን መንግስትን ብሽርክነት ንዝውነን ናይ ሕርሻ ትካል’ውን ከምዘጥቅዑ ኣምሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ መጥቓዕታት ዕጡቓት ኦሮሞ ብዝምልከት እዋናዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0