ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ተጸባዩ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ ልዕሊ21 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: 22 November 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ን21.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ይዕድል ከምዘሎ ኮሚሽን ህጹጽ ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ 16 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዐ ምዃኑ ከስምረሉ እንከሎ፣ 4.6 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብርኦም ዝተፈንቐሉ ‘ዮም ኢሉ።

መንግስቲ ነቶም 9.4 ሚልዮን ዜጋታቱ ረዲኤት ክቕርብ እንከሎ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ካብ ለገስቲ ኣካላት ብዝተረኽበ ሓገዝ ይእለዩ ምህላዎም እቲ ኮሚሽን፣ ብ17 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ወቕታዊ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ክሌማ ተተሓሒዙ ዝተኸስተ ደርቂ፣ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዝነተጎ ግጭታት’ውን ሚልዮናት ኣፈናቒሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን ጌሩ።

ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፣ ንክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን ዝጸለወ፣ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጸረ ኵናት ሓደ ካብ ኣውራ ምኽንያታት ናይቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው’ዩ።

ኣብ ትግራይ ጥራይ፣ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ኵናት ክፈናቐል እንከሎ፣ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ 02 ሕዳር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ፣ ረዲኤት ዝጸዓና 263 ዓበይቲ መካይን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝተዋፈራ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ በብእዋኑ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ ኣስታት 71 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ተዓቝቦም ተጸበይቲ ረዲኤት ምዃኖም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋ’ዚ ረዲኤት ናይ ዝጽበ ብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ ኮሚሽን ህጹጽ ሓደጋ፣ መንግስቲ ነዚ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ን8.8 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ሽዱሽተ ቢልዮን ብር ቀሪቡ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ እቲ ሓገዝ ዝተማልአ ክኸውን ተወሳኺ 13 ቢልዮን ብር ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

እቲ ኮሚሽን ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ 110 ሚልዮን ካብ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ እቲ 19.2% ተጸባዪ ረዲኤት’ዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0